ብውሕዱ 11 ኣሜሪካውያን ሳይንቲስት ኒዩክለር ኣብ ኣዝዩ ምስጢራዊ ፕሮጀክት ብሚስጢር ጠፊኦም ወይ ሞይቶም።
እቶም ኣብ ሓደ ኣዝዩ ምስጢራዊ ፕሮጀክት ዝተሳተፉ 11 ተመራመርቲ ኒዩክለራዊ ሳይንስ፡ ኣየርን ስፔስን ናሳን፡ ኣዝዩ ምስጢራዊ ሓበሬታ ሒዞም ነይሮም። እዚ ድማ ኮንግረስ ኣሜሪካ ትማሊ ሶኑይ (20 ሚያዝያ) ህጹጽ መርመራ ከምዘካይድ ክእውጅ ምኽንያት ኮይኑ። ወኪል ሚዙሪ ኤሪክ በርሊሰን፡ ብሩስያ፡ ቻይና ወይ ኢራን ዝተዋደደ ስርሒት ምዃኑ ሓሳብ ኣቕሪቡ። ዋይት ሃውስ ኣብ ዘውጽኦ ህጹጽ መግለጺ፡ ኤፍ.ቢ.ኣይን ፔንታጎንን ሓዊሱ ዝተፈላለዩ መንግስታዊ ትካላት ነቲ ጉዳይ ይምርምሩ ከምዘለዉ ኣፍሊጡ።
ዳይሊ ሜይል ብሶኑይ (ሚያዝያ 20) ከም ዝጸብጸቦ፡ ኣቦ መንበር ኮሚተ ምክትታልን ጽገና መንግስትን ባይቶ ጀምስ ኮመር፡ ብሶኑይ (20) ንዝተፈላለዩ ትካላት ክሳብ ሚያዝያ 27 ሓበሬታ ክዝርግሑ ዝእዝዝ ደብዳበ ኣውጺኡ።እቲ ደብዳበ ብኸፊል፤
“ኮሚሽን ምክትታልን ጽገናን ባይቶ፡ ብዛዕባ ምስጢራዊ ምጥፋእን ሞትን ውልቀሰባት ስሱዕ ሳይንሳዊ መረዳእታ ኣመሪካ ዝረኽቡ ዘይተረጋገጸ ጸብጻባት ይምርምር ኣሎ”
ወሲኹ ድማ፡ “እዚ ጸብጻባት እዚ፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ብውሕዱ ምስ ኒዩክለራዊ ምስጢር ወይ ቴክኖሎጂ ሮኬት ኣመሪካ ዝተኣሳሰር 10 ሰባት ከም ዝሞቱ ወይ ብሚስጢር ከም ዝጠፍኡ ይሕብሩ።”
ኮመር ኣስዒቡ፡ “እዚ ጸብጻባት ቅኑዕ እንተኾይኑ፡ ከምዚ ዓይነት ሞት ወይ ምጥፋእ ንጸጥታ ኣመሪካን ሳይንሳዊ ምስጢር ንምርካብ ንዝኽእል ሰበስልጣን ኣመሪካን ሓደጋ ክኸውን ይኽእል እዩ።”
ኒውስዊክ ብተወሳኺ ከም ዝጸብጸቦ፡ ትማሊ ሶኑይ (20) ኤፍ.ቢ.ኣይ ነቲ ተርእዮ ንኽምርምሮ ምስ ዲሞክራትስ ክተሓባበር ምዃኑ ዝገለጸ ሪፓብሊካን ኣባል ኮንግረስ ሚዙሪ ኤሪክ በርሊሰን፡ ክልተ ተወሰኽቲ ኣመሪካውያን ክኢላታት ማቲው ሱሊቫንን ኤስያዊ ኣመሪካዊ ዶክተር ኒንግ ሊን ኣብ ዝርዝር ናይቶም ኣብ ትሕቲ መርመራ ዘለዉ ሰባት ወሲኹዎም።
ኣብ ኢንተርነት ኣርእስቲ ዘተ ኮይኑ ዘሎ ቅዲ ምጥፋእ ወይ ሞት ናይዞም ኣመሪካውያን ሳይንቲስት፡... “ስርሒታት ወጻኢ” ክኸውን ከም ዝኽእል ርእይቶ ሂቡ።
“ኣብ ኒዩክለራዊ ቴክኖሎጂ፡ ምዕቡል ኣጽዋርን ህዋን ኣንጻር ቻይና፡ ሩስያን ኢራንን ንወዳደር ኣለና፡ እቶም ንፉዓት ሳይንቲስትና ድማ ይጠፍኡ ኣለዉ” ክብል በርሊንሰን ኣብ ፕላትፎርም ኤክስ ጽሒፉ።
ወሲኹ ድማ “እዚ ብናይ ወጻኢ ስርሒታት ምሳሌ ዝመልኦ’ዩ፣ እዚ ድማ ምስ ዲሞክራትን ሪፓብሊካንን ኮይነ ኤፍ.ቢ.ኣይ ምሉእ ብምሉእ ንኽሳተፍ ይሰርሕ ኣለኹ።እዚ ክልተኣዊ ኣይኮነን” ኢሉ። ኒውስዊክ ጸብጺቡ።